ብስራት- ቀዳም ምሳና ፤ ምቖልን ምንእሰያትን በ21.09.2019 ስፖርት አዳሊና አለና!!

ትግርኛ
ብሞያ ናይ ስፖርት አሰልጣኒ ኮይነ፣ አብ ከባቢና ዝርከቡ ደቂዓድን ስደተኛታትን ናይ ማሕበራውን፤ ስፖርታውን  ምትእስሳር  ምፍጣር  ድማ ካብ ዝነጥፈሉ ስርሐይ ኢዩ፡፡
ኣብ ሃገርኩም  ከለኹም  አብ  ከምዚ ዓይነት ንጥፈታት ተሳቲፍኩም ትፈልጡ ዶ ?
ሕጂኸ  አብ ትቅመጠሉ አካባቢ ናይ ምስልጣን ዕድል እንተ ትረኺቡ ናይ ምስታፍ ድልየት አለኩም ዶ? ቅደሚ ሕጂ ኣብ ዝኾነ እስፖርታዊ  ምንቅስቃስ ተሳቲፍኩም  ዘይትፈልጡ እንተ ኾይንኩም  ድማ ናይ ምስታፍ ድልየት ኣላኩም ዶ?    ድልየት ምሰ ዝህልወኩም ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዌብሳይት ተጠቂምኩም ኣብ ጊንስሃይም ጉስታቭስቡርግ  ዝርከብ ናይ  ስፖርት  ክለባት ክትጥርነፉ ትኽአሉ፡፡
ኣብ ውሽጢ ጀርመን  ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስፖርት  ክለባት ብሞጥርናፍ ምስ ሕብረተሰብን ባህልን ናይ ምልላይ ዓቅሚ የስፍሕ ፡፡ ኣብ ስፖርት ብሞንጣፍ ድማ ቀዳሞነት ጥዕናና ንሕሉ ብተወሳኺ ድማ ናይ ጀርመን ቋንቋ  ኣብ ሞዕባይን ዓቢ ጥቅሚ ኣለዎ፡፡ ኣባላት ክለብ ንማሕበር ዝኽፈልዎ ክፍሊት ድማ ውሑድን ኩነታት አባል ኣብ ግምት ዘእተወን  ኢዩ፡፡
ናይዚ ማሕበር ወይ ክለብ ኣበላት ብሙኻን  ተጠቀሞቲ ናይዚ ዕድል ክትኮኑ ንዕድመኩሞ፡፡
ቅድማ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ስፖርት ዘይተሳተፍኩም ኮይንኩሞ ሕጂ ግን ምስዘን ክለባት ክትጥርነፉ ምስእትደልዩ ከምኡ ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ  በዚ ኣብ ታሕተ ዘሎ አድራሻ ክትረኽቡና  ትክእሉ፡፡
   ኢሜል: Diese E-Mail-Adresse ist vor Spambots geschützt! Zur Anzeige muss JavaScript eingeschaltet sein!
   ሞባይል/ ዋትስአፕ ፣0170/5257627

ስፖርት  ጊንስሃይም

ዓይነታት ስፖርት

ኩዑሶ እግሪ፣ ኩዑሶ ሰኪዔት፣ ቴብል ቴንስ፣ኩዑሶ ኢድ፣ ቮሊቦል፣ምልዓል ክብደት፣ ቅድድም ብሽግሌታ፣ሳዕስዒት፣/ ዳንስ.፣ አትሌቲክስ ፣ካራቴ ፣ጁዶ ፣ ፣ ቦክሲንግ ፣ ቼዝ፣  ጂምናስቲክስ እና   ቦዉሌ፣ ካኑ፣ ሽታንድ አፕ ፓደሊንግ /ሽቴህፓድልን፣ ሴገልን፣ራድባል፣ ራድፖሎ፣ ሮልሹ ፣ኩንስትላውፍን፣ ቱርነን፣ ኪከቦክስን   ክትሳተፉ ትኽእሉ፣

SKG Ginsheim

SKB Gustavsburg